Restrictions for arrivals to Norway

ሮና/ Coronavirus vaccine

ቈጸራ እትሕዘሉ መገዲ፦

ተሌፎን ደውል፦ 67 50 59 99 (ድሕሪኡ 1 ጠውቕ)፣ ወይ ድማ ናብ vaksine@baerum.kommune.no ኢመይል ስደድ

ሰዓታት ስራሕ፦ ሰኑይ–ዓርቢ፡ ሰዓት 9-15.

ኣድራሻ፦

ማእከል ክታበት ባሩም ኣብ ፎርነቡ ይርከብ።

እቲ ኣድራሻ ድማ Forneburingen 51, 1360 Fornebu እዩ።

"ክታበት ባሩም" ዝብሉ ምልክት ስዓብ። ጽቡቕ ናይ መኪና ደው መበሊ ቦታታት ኣሎ። እቲ ዝቐረበ መደበር ኣውቶቡስ ፎርነቡፓርከን እዩ።

ግብራዊ ሓበሬታ

  • ስእልኻ ዘለዎ ቅኑዕ መለለዪ መንነት ሒዝካ ምምጻእ ኣይትረስዕ።
  • ነቲ ክታበት ኣብ ላዕለዋይ ክፋል ቅልጽምካ ብቐሊሉ ክትውጋእ ዘኽእል ዘኽእለና ክዳን ተኸደን።
  • ሰዓት ቈጸራኻ ሓሉ።
  • ብጻይ ሒዝኩም ክትመጹ ትኽእል ኢኻ፣ ነዚ ሰነድ ኣየድልየኩምን። እቲ ዝኽተብ ሰብ ግን ስእሊ ዘለዎ መለለዪ መንነት ሒዙ ክመጽእ ከም ዘለዎ ኣይትረስዕ።
  • ስለ እተኸተብካ ነመስግነካ!

እዚ ዝስዕብ ምኽንያት እንተ ኣልዩካ ናብ ክትባት ኣይትምጻእ፦

  • ምልክታት ሰዓል፡ ረስኒ ወይ ካልእ ምልክታት ተላባዒ ሕማም
  • መርመራ ኮቪድ-19 ጌርካ ከም ዝሓመምካ እንተ ፈሊጥካ (ሓደ ኮቪድ-19 ሓሚሙ ዝነበረ ሰብ ምስ ሓወየ ቅድሚ ክታበት ምውሳዱ እንተ ወሓደ 3 ሰሙን፡ ዝምከር ከኣ 3 ወርሒ፡ ክጸንሕ ኣለዎ)።
  • ቅድሚ 7 መዓልቲ ኣብ ዘይመልእ እዋን ካልእ ክታበት ወሲድካ እንተ ኔርካ።

ሓበሬታ ብዛዕባ ክታበት ኮሮና

1ይን 2ይን ክታበት

  • ከም መሰረታዊ ክታበት ፋይዘር ጥራይ እዩ ዝወሃብ።
  • እቲ 1ይ ክታበት ምስ ተኸተብካ፡ ቅድሚ እቲ ኻልኣይ ክታበት ምኽታብካ እተወሰነ ሰሙናት ክትጸንሕ ኣሎካ፦
  • ልዕሊ 18 ዓመት ዝዕድሚኦም ነበርቲ ካብ 3-12 ሰሙን
  • 5-17 ዓመት ዝዕድሚኦም ነበርቲ ካብ 8-12 ሰሙን
  • ትሕቲ 16 ዓመት እንተ ዄንካ፡ ወላዲ ንኽትክተብ ክሰማማዑ ኣለዎም። እቲ ቘልዓ ንኽታበት ቅድሚ ምምጽኡ ነቲ ናይ ስምምዕ ቅጥዒ ብምምላእ ከምኡ ክገብሩ ይኽእሉ እዮም። መዘኻኸሪ፦ ክልቲኦም ወለዲ ክፈርሙ ኣለዎም።

3ይ ክታበት (መሐደሲ ክታበት)

3ይ ክታበት ክወስድ ዝምከር፦

  • ዕድሚኦም 45 ዓመትን ልዕሊኡን ዝዀኑ
  • ብቐሊሉ ክሓምሙ ኣብ ዝኽእሉ ጕጅለ ዝምደቡ
  • ኣብ ኣገልግሎት ጥዕናን ክንክንን ዝሰርሑ

ካብ 18 ክሳብ 44 ዓመት ዝዕድሚኦም ጥዕና ዘለዎም ሰባት እውን ነዚ መሐደሲ ክታበት (ፋይዘር ወይ ሞደርና) ክወስዱ ይኽእሉ እዮም።

ኣብ መንጎ 2ይን 3ይን ክታበት እንተ ወሓደ 20 ሰሙናት ፍልልይ ክህሉ ኣለዎ።

4ይ ክታበት (መሐደሲ ክታበት)

4ይ ክታበት ክወስድ ዝምከር፦

  • ዕድሚኦም 65 ዓመትን ልዕሊኡን ዝዀኑ
  • ኣዝዩ ዝደኸመ ሕማም ናይ ምክልኻል ዓቕሚ ዘለዎም
  • ነፍሰ ጾር። ካብ መበል 14 ክሳዕ መበል 40 ሰሙን ዘለዋ ነፍሰ ጾራት እቲ ናይ መወዳእታ ወርሓት ጥንሰን ከቢድ ሕማም ብቐሊሉ ክሓምማሉ ዝኽእላ ግዜ ስለ ዝዀነ፡ ኢንስቲትዩት ህዝባዊ ጥዕና ኖርወይ እቲ መሐደሲ ክታበት ክኽተባ ይመክር። ቅድሚ ሕጂ መሰረታዊ ክታበት ጥራይ ዝወሰዳ ወይ ድሮ ነቲ መሐደሲ ክታበት ወሲደን ይንበራ ብዘየገድስ ክኽተባ ጽቡቕ እዩ።
  • ካብ 18-64 ዓመት ዝዕድሚኦምን ብቐሊሉ ክሓምሙ ኣብ ዝኽቕሉ ጕጅለ ዝምደቡን
  • ካብ 12-17 ዓመት ዝዕድሚኦም ከቢድ መሰረታዊ ሕማማት መንእሰያት ዘለዎም

ካብ 18 ክሳብ 44 ዓመት ዝዕድሚኦም ጥዕና ዘለዎም ሰባት እውን ነዚ ተወሳኺ መሐደሲ ክታበት (ፋይዘር ወይ ሞደርና) ክወስዱ ይኽእሉ እዮም።

ኣብ መንጎ 3ይን 4ይን ክታበት እንተ ወሓደ 4 ኣዋርሕ ፍልልይ ክህሉ ኣለዎ።

ኮቪድ-19 ተታሒዝካ እንተ ኔርካ፡ ቅድሚ ክታበት ምውሳድካ እንተ ወሓደ 3 ሰሙን ክሓልፍ ኣለዎ። ነዊሕ እንተ ጸኒሕካ ዝሓሸ ውጽኢት ክትረክብ ትኽእል ኢኻ፣ ሰበ ስልጣን ድማ 3 ወርሒ ክትጸንሕ ይመኽሩ።

5ይ ክታበት (መሐደሲ ክታበት)

  • እቶም ኣዝዩ ዝደኸመ ሕማም ናይ ምክልኻል ዓቕሚ ዘለዎም ሓሙሻይ ክታበት ከድልዮም ይኽእል እዩ። ንዝያዳ ሓበሬታ ናብ ማእከል ክታበት ደውል፣ ተሌፎን፦ 67 50 59 99።

ዝኾነ ሕቶ ኣሎካዶ፧ በዚ ተሌፎን ደውል፦ 67 50 99 99።